Brede intake voor gezinsmigranten - TG

ሓፈሻዊ ኣቀባብላ ንምስ ስድራ ቤት ዝጥርነፉ ስደተኛታት

ምስ መጻምድትኻ ወይ ምስ ዘመድካ (ምስ ስድራ ቤት ዝጥርነፍ ስደተኛ ) ክትከውን ዲኻ ናብ ሆላንድ መጺእካ? ከምኡ ውን ድሕሪ 31 ታሕሳስ 2021 ድዩ ክትጸንሕ ከም ትኽእል ተነጊሩካ (መንበሪ ፍቓድ ረኺብካ)? ስለዚ እዚ ገጽ እዚ ሓፈሻዊ ኣቀባብላኻ እንታይ ከም ዘጠቓልል ይሕብረካ።

ሓፈሻዊ ኣቅባብላ እንታይ እዩ?

ሓንሳብ መስርሕ ዜጋዊ ውህደትካ ምስ ጀመርካ፣ ነቲ ምምሕዳር ከተማ ክትፈልጦ ኢኻ፣ እቲ ምምሕዳር ከተማ ድማ ክፈልጠካ እዩ። ነዚ ሓፈሻዊ ኣቀባብላ ኢልና ንጽውዖ። ብድሕሪኡ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ብገዛእ ርእስኻ ትረኽቦ ወኪል ሰብ ክህልወካ እዩ። ብሓባር፣ ንስኻን እቲ ብገዛእ ርእስኻ ትረኽቦ ወኪል ሰብን ብምኻን ንዓኻ ዝኸውን ናይ ውህደት ውጥን ከተውጽኡ ኢኹም። ነቲ መስርሕ ዜጋዊ ውህደት ንዓኻ ብዝበለጸ መንገዲ ክትሓልፎ ኢኻ።

ክትፈልጦ ዘለካ ጽቡቕ ነገር፤ ድሕሪ እቲ ሓፈሻዊ ኣቀባብላ፣ እቲ ብገዛእ ርእስኻ ትረኽቦ ወኪል ሰብ ኣብ መስርሕ ዜጋዊ ውህደትካ ክሕግዘካ እዩ።

  • ኣብቲ ቤት መዘጋጃ ዘሎ መንጎኛ ሰብ ን ቃለ መሕትት ክትኣቱ ክሓተካ እዩ፣ ንሓድሕድኩም ምእንቲ ክትፋለጡ። ነቲ ናትካ መንጎኛ ሰብ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ፡ ኩነታት ስድራቤትካ፡ ተገዳስነትካን ተመኩሮ ስራሕካን ዝያዳ ክትነግሮ ኢኻ። ብዛዕባ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል፡ እንታይ ክትገብር ከም እትደሊ፡ ከምኡውን ኣብ ዝኾነ ነገር ሓገዝ የድልየካ ድዩ ኣይደልን ክትዛረብ ኢኻ። እቲ ናትካ መንጎኛ ሰብ ኣብ መስርሕ ሲቪካዊ ውህደትካ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካ ዝያዳ ክነግረካ እዩ።

    እቲ ናትካ መንጎኛ ሰብ ክሳብ መወዳእታ መስርሕ ዜግነታዊ ውህደትካ ክሕግዘካን ክመኽረካን ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

    እቲ ቃለ መሕትት መዓስ ከም ዝኸውን ዝሕብር ደብዳበ ብፖስታ ክመጸካ እዩ፣ ስለዚ ኣብ ሳጹን ደብዳቤኻ ምክትታልካ ኣረጋግጽ። ናብ እዚ ቆጸራ፣ ክትከይድ ከድልየካ እዩ። ኣብቲ ናይ ደብዳበ ቆጸራ ክትርከብ እንተዘይክኢልካ ክትድውሉሉ እትኽእሉ ቁጽሪ ተሌፎን ክህሉ እዩ። ኣብ ከምኡ ኩነታት፡ ቅድሚ ዕለት ቆጸራኻ ናብዚ ቁጽሪ ምድዋልካ ኣረጋግጽ።

  • እቲ መንጎኛ ሰብ ኣብቲ ድሒርካ ትምህርቲ ቋንቋ ኔዜሪላንድ እትወስደሉ ቤት ትምህርቲ ቪስታ ኮለጅ ቆጸራ ክሕዘልካ እዩ። ኣብኡ ፈተና ክትወስድ ኢኻ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ምስ ሓደ ሰራሕተኛ እውን ቃለ መሕትት ክትገብር ኢኻ። እቲ ፈተናን ቃለ መሕትትን ‘ፈተና ናይ ምምሃር ዓቕሚ’ (leerbaarheidstoets) ይበሃል። ኣብ እዋን ፈተና፡ ዝተወሰኑ ነገራት ክትገብር ክትሕተት ኢኻ፡ ከም ጽሑፍ ምንባብ። ኣቐዲምካ ክትለማመድ ኣየድልየካን እዩ።

    ውጽኢት ፈተና ንዓኻን ንዓናን ቋንቋ ኔዜሪላንድ ክትመሃረሉ እትኽእል ዝበለጸ ደረጃን ኣየናይ መንገዲ ትምህርቲ ክትወስድ ከም እትኽተልን ንምውሳን ክሕግዘና እዩ። ቪስታ ኮሌጅ ብዛዕባኻ ምስክርነት ሂቡ ናብ መንጎኛ ሰብ ክሰዶ እዩ።

  • ኣብቲ ቤት መዘጋጃ ዘሎ መንጎኛ ሰብ ኣትዩ ብዛዕባ ውጽኢት ናይቲ ናይ ምምሃር ዓቕሚ ፈተናን ናይ ቪስታ ኮለጅ ለበዋን ክትዛረብ ክሓተካ እዩ።

    ድሕሪኡ ንስኻን ናትካ መንጎኛ ሰብን ናይ ውህደት ውጥን ትልምን ክትሰርሑ ኢኹም። ክትበጽሖም እትደልዮም ዕላማታት ክትገልጽ ኢኻ ከምኡ’ውን ኣየናይ ናይ ትምህርቲ መንገዲ ከም እትኽተል ክትገልጽ ኢኻ። እዚ ትልሚ እዚ ትልሚ ውልቃዊ ውህደትን ተሳትፎን ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቲ እንጥቀመሉ ኣሕጽሮተ ቃል፣ PIP እዩ። ናትካ መንጎኛ ሰብ ንፈጻሚ ስራሕ ትምህርቲ DUO ኣብ PIP ትጅምር ከም ዘለኻ ክነግሮ እዩ። በዚ መንገዲ DUO ምስ መስርሕ ዜግነታዊ ውህደትካ መዓስ ክትውድእ ከም ዘለካ ክውስን ይኽእል።

  • 4 ደረጃ 5: ብዛዕባ መንገዲ ውህደትካ ሓበሬታ ካብ DUO መስርሕ ዜግነታዊ ውህደትካ መዓስ ከም ዝጅምርን መዓስ ክትውድኦ ከም ዘለካን ዝገልጽ ደብዳበ ክመጸካ እዩ። መስርሕ ዜግነታዊ ውህደት ንኽትዛዝም ሰለስተ ዓመት ኣለካ።

ቀጽል ምስ

ንድሕሪት ተመለስ ናብ